Folkhälsomyndigheten Din psykiska hälsa

ንጥዕና ኣእምሮና ዝጸሉ እንታይ እዩ?

ኣእምሮኣዊ ጥዕናና ብእንገብሮ፡ ብኸመይ ከም እንነብርን በቲ ዘጋጥመና ዘሎን ዝጽሎ ኾይኑ፡ ኣብ ምሉእ ህይወትና ድማ ይቕያየር እዩ። እቲ ንኣእምሮኣዊ ጥዕናና ክጸልዎ ዝኽእል መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ተኸላኸልቲ ረቛሒታትን ንሓደጋ ዘቃልዑ ረቛሒታትን ይምቀል። ገሊኦም ንጥዕና ኣእምሮ ዝጸልዉ ነገራት ክትቅይሮም ዝከኣል ክኸውን ከሎ፡ ገሊኦም ግን ብዛዕብኡ ዝኾነ ነገር ክትገብር ዝኸበደ እዩ።

ኣእምሮኣዊ ጥዕናና ብብዙሕ ረቋሒታት ይጽሎ እዩ። እዚ፡ ብዙሕ ብዛዕባ እንታይ ንገብር ኣለና፡ ብኸመይ ንነብር ከም ዘለናን እንታይ የጋጥመና ከም ዘሎን እዩ። እዚኦም ረቛሒታት ብደረጃ ሕብረተሰብ፡ ኣብ ቀረባ ከባቢናን ውልቃዊን ክኾኑ ይኽእሉ። ኣእምሮኣዊ ጥዕናና ኣብ ምሉእ ህይወትና እውን ይቀያየር እዩ። መብዛሕትኦም ሰባት ኣብ ህይወቶም ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ጸገማት ጥዕና ኣእምሮ የጋጥሞም እዩ። እቶም ጸገማት ንሓጺር ግዜ ዝጸንሑን ንነዊሕ ግዜ ዝጸንሑን ከምኡ’ውን ዝተፈላለየ ደረጃ ክብደት ዘለዎም ክኾኑ ይኽእሉ። ሓደ ሓደ ግዜ ንኽሕሸና ሓገዝ የድልየና እዩ።

ገሊኦም ንጥዕና ኣእምሮ ዝጸልዉ ነገራት፡ ከም ኣካላዊ ወይ ስነ-ህይወታዊ ረቛሒታት ወይ ኵነታት ኣተዓባብያና ንምቕያሮም ዝኸበደ ኮይኑ፡ ነቶም ከም ኣነባብራን ንጥዕና ዝጸልዉ ልምድታትን ዝኣመሰሉ ነገራት ግን ባዕልኻ ክትቕይሮም ዝቐለለ እዩ።

ካልእ ገዲፍካ በዞም ዝስዕቡ ንጽሎ ኢና፦

  • ከም ተወርሶኣዊ፡ ዕድመን ጾታን ዝኣመሰሉ ስነ-ህይወታውያን ረቛሒታት
  • ንጥዕና ዝጸልዉ ልምድታትን ሓፈሻዊ ኵነታት ጥዕናን
  • ከም ተወልድኣዊ ስነ-ኣእምሮኣዊ ኣበራት፡ ስብእና፡ ልብወታዊ ዓቕምን ንስነ-ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ተጸዋርነትን ዝኣመሰሉ ኣእምሮኣዊ ረቛሒታት
  • ከም ኵነታት ኣተዓባብያ፡ ዝምድናታት፡ ወግዒታት፡ ባህሊ፡ ኵነታት መንበሪ፡ ቁጠባዊ ኩነታት፡ ስራሕን ትምህርትን ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ ረቛሒታት።

ተኸላኸልቲ ረቛሒታትን ንሓደጋ ዘቃልዑ ረቛሒታትን

እቶም ንጥዕና ኣእምሮ ዝጸልዉ ረቛሒታት መብዛሕትኡ ግዜ ተኸላኸልቲ ረቛሒታትን ንሓደጋ ዘቃልዑ ረቛሒታትን ተባሂሎም ይጽውዑ።

እቶም ተኸላኸልቲ ረቛሒታት፡ ንኣብነት ጽቡቕ ርእሰ-ምትእምማን ወይ ናይ ቀረባ ዓርከ ምሓዛ ምህላው፡ ጽቡቕ ናይ ስራሕ ሃዋህው ወይ ብሓቂ ትፈትዎ ኣብ ነጻ ግዜካ ትጥቀመሉ መዘናግዒ (ሆቢ) ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ጥዕና ዝህብ መግቢ ምምጋብ፡ ብስሩዕ ምንቅስቓስን እኹል ድቃስ ምርካብን እውን ኣገዳሲ እዩ።

ንሓደጋ ዘቃልዑ ረቛሒታት ኣንጻር ናይ ተኸላኸልቲ ረቛሒታት እዮም። እቶም ንሓደጋ ዘቃልዑ ረቛሒታት፡ ኣብ ሓንቲ ጎዳእቲ ወልፍታት ወይ ብዙሕ ግርጭት ዘለዋ ስድራ ቤት ምዕባይ፡ ቍጠባዊ ጸገማት ምህላው ወይ ዘይትሳነ ወይ ዘይትሰማማዕ ኮይኑ ክስምዓካ ከሎ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። እዚ ኣብ ጥዕና ኣሉታዊ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል እዩ። እቲ ጽቡቕ ናይ ተኸላኸልቲ ረቛሒታት፡ ንሳዕቤን ንሓደጋ ዘቃልዑ ረቛሒታት ከፋዅሱ፡ ንሕማም ኣእምሮ ዘለካ ተጻዋርነት ከዛይዱን ኣብ ህይወት ንዘጋጥሙኻ ብድሆታት ብዝያዳ ድሉው ክገብሩኻን ይኽእሉ እዮም።

Uppdaterat: 2025-03-11