ኣእምሮኣዊ ጥዕና እንታይ ማለት እዩ?
ኣእምሮኣዊ ጥዕና ብዙሕ ዝተፈላለየ ክፋላት ዝሓዘ ኣምር ኮይኑ፡ ብሓጺሩ ግን ብዛዕባ ጥዕናና ከመይ ከም ዘለናን ህይወት ከመይ ተሰማሚዑና ከም ዘሎን፡ ከምኡ’ውን ጽቡቕን ክፉእን ናይ ህይወት ክንገጥም ዘለና ዓቕሚ እዩ። ኣእምሮኣዊ ጥዕና ከም ጠርናፊ ኣምር ንጥቀመሉ ኮይኑ፡ ኣእምሮኣዊ ጽቡቕ ጥዕናን ህላወን፡ ኣእምሮኣዊ ጸገማትን ኣእምሮኣዊ ኵነትን ዘጠቓለለ እዩ።

ኣእምሮኣዊ ጥዕናና ንሓፈሻዊ ጽቡቕ ህላወናን ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ጥዕናና ከመይ ከም ዘሎን ህይወትና ከመይ ነሰላስል ከም ዘለናን ኣገዳሲ ክፋል ኮይኑ፡ ኣብ ህይወትና ንዘጋጥሙና ዝተፈላለዩ ብድሆታት ብኸመይ ከም ንኣልዮም ይጸልወና እዩ። ኣእምሮኣውን ኣካላውን ጥዕና ነንሕድሕዶም ዝተኣሳሰሩን ዝጸላለዉን ስለ ዝኾኑ፡ ንኣካላዊ ጥዕናና ምስ እንከናኸን ኣእምሮኣዊ ጥዕናና ጽቡቕ ንኽህሉ ዝሓሸ ኵነት ኣለና – ከምኡ’ውን ብግምጣሉ።
ኣእምሮኣዊ ጥዕናን ኣእምሮኣዊ ጉድለት ጥዕናን ሓደ ኣይኮነን፡ እንተኾነ ግን እቶም ኣምራት ሓደ ሓደ ግዜ ይተሓዋወሱ እዮም።
- ኣእምሮኣዊ ጥዕና ከም ጠርናፊ ኣምር ንጥቀመሉ ኮይኑ፡ ኣእምሮኣዊ ጽቡቕ ህላወን፡ ኣእምሮኣዊ ጸገማትን ኣእምሮኣዊ ኵነትን ዘጠቓለለ እዩ።
- ኣእምሮኣዊ ጉድለት ጥዕና ከም ናይ ሓባር ኣምር ንጥቀመሉ ኮይኑ፡ ንኣእምሮኣዊ ጸገማትን ኣእምሮኣዊ ኵነትን ዘጠቓለለ እዩ።
ኣእምሮኣዊ ጥዕናና ኣብ ህይወትና ምሉእ ዝቀያየር ኮይኑ፡ ብተወርሶኣዊ ተኣፋፍነት፡ ኵነታት ኣተዓባብያ፡ ፍጻመታት ህይወት፡ ብቝጠባውን ማሕበራውን መዳይ ከመይ ከም ዘለና፡ ልምድታትን ባህርያትን፡ ንፈተናታት ናይ ምእላይ ዓቕምን ዝኣመሰሉ ብዙሓት ረቋሒታት ይጽሎ እዩ።
ንኣእምሮኣዊ ጥዕና ዝጸልዉ ከም ልምድታትን ባህርያትን ዝኣመሰሉ ገሊኦም ነገራት ክቕየሩ ዝከኣሉ ኮይኖም፡ ንኣብነት ነቶም ካልኦት ተወርስኣውን ኣተዓባብያን ዝኣመሰሉ ግን ንኽንቕይሮም ዝኸበደ እዩ።
ኣእምሮኣዊ ጽቡቕ ህላወ እንታይ ማለት እዩ?
ጽቡቕ ምህላው ብመሰረቱ ብዛዕባ ባዕልኻ ጽቡቕ ከም ዘለኻ ክስምዓካ እዩ። እዚ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ክኸውን ይኽእል። ኣእምሮኣዊ ጽቡቕ ምህላው ብዛዕባ እቲ ኣብ ህይወትና ዘጋጥመና ከመይ ከም ዝስምዓና፡ መነባብሮ ከመይ ተሰማሚዑና ከም ዘሎን ምንባር ትርጉም ይህበና እንተሎን እዩ።ብዛዕባ ደስታን ድሌትን ክስመዓካ ምኽኣል እውን እዩ። ገለ ካልኦት ንኣእምሮኣዊ ጽቡቕ ህላወ ዝገልጹ ነገራት፡ ንኣወንታዊን ኣሉታውን ስምዒታት ሚዛን ንምሃብ ክእለት ምህላው፡ ደገፍትን ናይ ቀረባ ኣዕሩኽን ካልኦት ኣገደስቲ ማሕበራዊ ዝምድናታትን ምህላው፡ ስሚዒት ተሳታፍነትን ምምዕባልን ብምሉእ ዓቕምኻ ምዕዋትን እዮም። እቲ ንዝተፈላለዩ ሰባት ጽቡቕ ምህላው ከም ዝስምዖም ዝገብር ክፈላለ ይኽእል እዩ።
ኣእምሮኣዊ ጽቡቕ ምህላው፡ ንዝተፈላለዩ ብድሆታትን ጸገማትን ህይወት ክትጻወርን ክትምክቶን ንኽትክእል ከም መሰረታዊ ዓቕሚ ኮይኑ ክረአ ይኽእል እዩ። ውልቀ ሰባት ጽቡቕ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ሃልይዎም ክሰርሑ ወይ ክመሃሩ ምስ ዝኽእሉን፡ ንኣብነት ንኩራት ብምኽንያት ሕማም ዝወጽእ ወጻኢታት ይንኪ ምዃኑን ነቲ ሕብረተሰብ ጸጋ እዩ።
ኣእምሮኣዊ ጽቡቕ ህላወ ምስ ዘይምህላው ኣእምሮኣዊ ጉድለት ጥዕና ሓደ ኣይኮነን። ኣብ ሕብረተ ሰብ ብሓፈሻ እቶም ኣእምሮኣዊ ጸገማት ወይ ኣእምሮኣዊ ኵነት (ሕማማት) ዘለዎም፡ ዝተሓተ ኣእምሮኣዊ ጽቡቕ ህላወ ከም ዘለዎም እውን ክርኣ ይከኣል። ንሓደ ውልቀሰብ ግን ዝተፈለየ ክመስል ይኽእል እዩ። ኣብ ገለ ክፋላት ሕማቕ ክስምዓካ ከሎ ኣብቶም ካልኦት ክፋላት ግን ከምኡ ከይስምዓካ ይኽእል እዩ። ንኣብነት ሻቕሎት ክስምዓካን ኣብ ስራሕ ወይ ቤት ትምህርቲ ከተተኩር ክጽግመካን ከሎ፡ ዕርክነት ናይ ምፍጣር ጽቡቕ ክእለት ሃልዩካ፡ ሓጎስን ትርጕም ምንባር ክስምዓካ ይኽእል እዩ።።
ኣእምሮኣዊ ጉድለት ጥዕና እንታይ ማለት እዩ?
ኣእምሮኣዊ ጉድለት ጥዕና፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንኣእምሮኣዊ ጸገማትን ኣእምሮኣዊ ኵነትን ኢና ንጥቀመሉ። ኣእምሮኣዊ ጉድለት ጥዕና፡ ነቲ ዝተጠቕዐ ሰብ፡ ከምኡ’ውን ዝበዝሕ ግዜ ንኣባላት ስድራ ቤቱን ካልኦት ናይ ቀረባ ሰባትን ስቓይ የስዕብ እዩ። እቲ ጸገማትን ሕማማትን ከም ልሙድ ንኽትነብር፡ ንኣብነት ምስ ካልኦት ሰባት ክትራኸብ፡ ክትሰርሕ ወይ ክትምሃር ከጸግመካ ክገብር ይኽእል እዩ። ይኹን’ምበር ኣብ እዋን ዝተፈላለዩ ኣእምሮኣዊ ጸገማትን ኣእምሮኣዊ ኵነትን ጥዕናና ከመይ ከም ዝስምዓና ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ እዩ። ሓደ ሰብ ስነ-ኣእምሮኣዊ ነጸርታ ከይሃለዎ፡ ኣእምሮኣዊ ጥዕንኡ ሕማቕ ክህሉ ይኽእል እዩ።
ኣእምሮኣዊ ጸገማት
ኣእምሮኣዊ ጸገማት ልሙድ ኮይኑ፡ ኩሉ ሰብ ኣብ ውሱን እዋናት ውጥረት ወይ ሻቕሎት ክህልዎ፡ ጭንቀት ክስምዖ ወይ ድቃስ ክኣብዮ ወይ ምትኳር ክጽገም ይኽእል እዩ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ንፈተናታት ህይወት ንቡር ግብረ መልሲ እዩ። እቲ ምልክታት ቀሊል ወይ ከቢድ ክኸውን ዝኽእል ኮይኑ፡ ቀልጢፉ ክገድፍ ወይ ንነዊሕ እዋን ክጸንሕ ይኽእል እዩ። ኣእምሮኣዊ ጸገማት ሓደ ሓደ ግዜ ከም ሕማም ርእሲ፡ ቃንዛ ከብዲ፡ ቃንዛ ሕቖ ወይ መንጸሮር ዝኣመሰሉ ኣካላዊ ሕማማት እውን ይገብሩልካ እዮም።
ከበድቲ ጸገማት ኣብ መዓልታዊ ህይወት ኣገደስቲ ነገራት ክትገብር ክትክእል ማለት፡ ምስራሕ፡ ምምሃር፡ ኣብ ነጻ ግዜ ትገብሮ መዘናግዒ ምግባር ወይ ንነብስኻን ንኻልኦትን ምክንኻን ከኽብዶ ይኽእል እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ጸገማት ባዕሉ ይገድፍ እዩ፡ ቁሩብ ንኽሕሸካ ባዕልኻ ክትገብሮ እትኽእል ነገራት እውን ኣሎ። እቲ ጸገማት ንነዊሕ ግዜ እንተ ጸኑሑ፡ ካብ ክንክን ጥዕና ሓገዝ ከድልየካ ይኽእል እዩ።
ኣእምሮኣዊ ኵነ
ንኣብነት ከም ቅዛነት፡ ምዝንባዕ ኣመጋግባን ወልፊ ኣልኮላዊ መስተን ኣእምሮኣዊ ሕማማትን ኣበራትን ምስ ኵነት ኣእምሮ እዮም ዝቝጸሮ። ኣብዚ ንኣብነት ከም ኣደሆደን ኣውቲዝምን ዝኣመሰሉ ተወልድኣዊ ስነ-ኣእምሮኣዊ ኣበራት እውን እቱዋት እዮም። ናይ ስነ-ኣእምሮ ነጸርታ ክግበር ንኽኽእል፡ ሓያሎ መዐቀኒታት ክማላኡ ኣለዎም። ንኣብነት ንነዊሕ እዋን ዝጸንሑ ዝተፈላለዩ ምልክታት ሕማም ምስ ዝህልወካ፡ ርኡይ ስቓይን መዓልታዊ ህይወት ንምምራሕ ጉድለት ዓቕሚ ምጉዳልን የስዕቡ እዮም። መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ናይ ስነ-ኣእምሮ ክኢላ ወይ ሓኪም ሕክምና ከድልየካ ይኽእል እዩ፡ ይኹን’ምበር ኣእምሮኣዊ ሕማም ባዕሉ እውን ክገድፈካ ይኽእል እዩ።
ነብሰ ቅትለት
ነብሰ ቅትለት ወይ ርእሰ ቕትለት ኮነ ኢልካ ህይወትካ ምሕላፍ እዩ። ብዙሓት ህይወቶም ዘሕልፉ ሰባት ቅዛነት ወይ ካልእ ዓይነት ኣእምሮኣዊ ጉድለት ጥዕና ዘለዎም እዮም። መብዛሕትኡ ግዜ ግን ንሓደ ሰብ ነብሱ ንኽቀትል ዝገብሩ ብዙሓት ዝተፈላለዩ ነገራት ኣለዉ። መጽናዕትታት ከም ዘመልክትዎ፡ ኩሉ ግዜ ብድሕሪ ብዙሕ ነብሰ ቅትለት ወይ ፈተነ ነብሰ ቅትለት ንኽትመውት ንጹር ዕላማ ከምዘየለ፡ እንታይ ደኣ እቲ ሰብ ካብ ከቢድ ቃንዛ ክሃድም ስለ ዝደልን ካብ ኣዝዩ ዘጨንቕ ኩነታት ካልእ መውጽኢ ስለ ዘይርኣዮን እዩ።
ሓደ ሰብ ነብሰይ ክቐትል ወይ ነብሰ ክጎድእ እሓስብ ኣለኹ ክብለካ ከሎ ዘሰንብድ እዩ። ግን ካብ ስድራ ቤት፡ ዓርከ መሓዛን ወሃብቲ ክንክን ጥዕናን ዝርከብ ደገፍን ሓገዝን እዚ ቅልውላው ክሕለፍ ይከኣል እዩ። ብዛዕባ ነብሰ ቅትለት ምዝራብ ሓደገኛ ኣይኮነን፡ እቲ ሰብ ህይወቱ ባዕሉ ነኸሕልፍ ዘሎ ሓደጋ እውን ኣየዛይዶን እዩ።
ናይ ነብሰ ቅትለት ሓሳባት እንተ ሃልዩካ
ምንባር ፋይዳ የብሉን ክሳብ ትብል ሕማቕ ኣለኻ ዲኻ? ህይወትካ ከተሕልፍ ሓሳብ ወይ መደብ ኣለካ ድዩ? ከምኡ እንተ ኾይኑ ንባዕልኻ ክትሕዞ የብልካን። ምስ እትኣምኖ ሰብ ክትዛረብ፡ ሕክምና ክትከይድ ወይ ምስ ሓደ ተረኛ ተሓጋጋዚ ብተሌፎን (stödjour) ክትራኸብ ኣለካ። ናይ ነብሰ ቅትለት ሓሳባት ብዙሕ ግዜ ዘጋጥም እዩ። ክትረኽቦ ትኽእል ሓገዝ ድማ ኣሎ።
ምስ መን ከም እትራኸብ ወይ ትኸይድ ርግጸኛታት እንተዘይኴንካ፡ ናብ 1177 ክትድውል ትኽእል ኢኻ።፡ ንሶም ድማ ቅኑዕ ደገፍ ወይ ክንክን ንምርካብ ክሕግዙኹም እዮም። ሽወደንኛ ወይ እንግሊዝኛ ክትዛረብ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ገሊኡ ዞባታት ብኻልእ ቋንቋታት ብተሌፎን ምኽሪክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ናብ ክንክን ጥዕና ክትበጽሕ ከለኻ ናይ ተርጓሚ ሓገዝ ክትረክብ መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ። ባዕልኻ ምስ ክንክን ጥዕና ክትራኸብ ምስ ዝኸብደካ፡ ንሓደ ትኣምኖ ሰብ ክሕግዘካ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።
ብዛዕባ ዘለካ ናይ ነብሰ ቅትለት ሓሳባት ምስ ሓደ ሰብ ክትዛረብ ምስ እትደሊ ናብ Mind መስመር ሓገዝ ጸረ ነብሰ ቅትለት ብቝጽሪ ተሌፎን 90101 ወይ ናብHjälplinjen (ናይ ሓገዝ መስመር) ብቝጽሪ ተሌፎን 90390 ክትድውል እውን ትኽእል ኢኻ። እቲ ደገፍ ብቐዳምነት ብሽወደንኛ እዩ ዝወሃብ። ኣድላዪ እንተኾይኑ ግን ብኻልእ ቋንቋታት ብሓገዝ ተርጓሚ ደገፍ ክወሃብ ይከኣል እዩ።
Uppdaterat: 2025-03-11