ጥዕናኻ ንምምሕያሽ ዝሕግዙ ምኽርታት
ጥዕናኻ ንምምሕያሽን ኣእምሮኣዊ ጥዕናኻ ንምሕያልን ክትገብሮም እትኽእል ነገራት ኣለዉ። እዚ ንመብዛሕትኦም ሰባት ብዛዕባ ኣብ መንጎ ስራሕ፡ ትምህርትታት፡ ነጻ ግዜን ዕረፍትን ሚዛን ክረኽቡ ምፍታን፡ ማሕበራውን ትርጉም ዘለዎን ነገር ምግባርን ንኣካላትን ኣእምሮን ንጡፍ ምግባርን እዩ።

ንኣእምሮኣዊ ጥዕናኻ ከመይ ከም ዘሎ ዝጸሉ ብዙሕ ነገራት ኣሎ። ገሊኦም ንጥዕና ኣእምሮ ዝጸልዉ ነገራት ባዕልኻ ክትጸልዎም ዝከኣል ክኸውን ከሎ፡ ገሊኦም ግን ብዛዕብኡ ዝኾነ ነገር ክትገብር ዝኸበደ እዩ። ኣብዚ ታሕቲ ንኣእምሮኣዊ ጥዕናኻ ንኸተሓይልን ጥዕናኻ ንኽመሓየሽን ባዕልኻ እንታይ ክትገብር ከም ትኽእል ሒደት ምኽርታት እንሆ። ሓደስቲ ልምድታት ንምጥራይ ግዜ ክወስድ ከም ዝኽእል ኣይትረስዕ። ኩሉ ነገር ብሓንሳብ ክትገብሮ ኣየድልየካን እዩ። ብገለ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝጥዕመካ ነገር ጀምር።
ገሊኦም ጥዕናኻ ከመይ ከም ዘሎ ዝጸልዉ ነገራት ባዕልኻ ክትቕይሮም ዝኸበደ እዩ። ጥዕናኻ ኣዝዩ ሕማቕ ምስ ዝህሉ ወይ ንዘለኻዮ ኵነታት ወይ ጥዕናኻ ንኽትቅይሮ ዘጸግሙ ኵነታት ምስ ዝህልዉ፡ ጥዕናኻ ንኽመሓየሽ ንኣብነት ካብ ክንክን ጥዕና ደገፍን ሓገዝን ከድልየካ ይኽእል እዩ።
ኣእምሮኣዊ ጥዕናኻ ከሐይሉ ዝኽእሉ 12 ምኽርታት
ብዛዕባ ጥዕናኻ ከመይ ከም ዘሎ ምስ ሰብ ተዘራረብ።
ስምዒታትካ ብቓላት ምግላጽ፡ ነብስኻ ከመይ ከም ዘለካ ንኽርድኣካን ኣብ ዘድልየካ እዋን ደገፍ ንኽትረክብን ክሕግዘካ ይኽእል እዩ። ምስ እትኣምኖ ሰብ ምዝርራብን ስምዒትካ ምንጋርን እውን ከቢድ ሓሳባትን ስምዒታትን ንኽትጻወር ቀሊል ክገብሮ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ዋላ እውን ከቢድ ኰይኑ እንተ ተሰማዓካ፡ ብዛዕባ ጥዕናኻን ከመይ ይስምዓካ ከም ዘሎን ምስ ሰብ ክትዘራረብ ፈትን። ልክዕ ከምቲ ንኻልእ ነገራት፡ ልምምድ ምግባር የቕልሎ እዩ።
ጽቡቕ ከም ዝስምዓካ ምስ ዝገብሩ ሰባት ተራኸብ።
ምስ ካልኦት ሰባት ብሓባር ኣብ ትህልወሉ ተኣማንነት ክስምዓካን ነብስካ ክትመስል ክትክእልን፡ ኣእምሮኣዊ ጥዕናኻ ጽቡቕ ንኽስምዓካ ኣገዳሲ እዩ። ጥዑይ ማሕበራዊ ዝምድናታት ሓይሊን ኣብ ዘድልየካ እዋን ድማ ደገፍ ይህበካ እዩ።
ብስሩዕ ተንቀሳቐስ
ስሩዕ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ንጥዕና ኣእምሮ ብብዙሕ መዳይ ጽቡቕ እዩ። ዝሓሸ ድቃስ ክትድቅስ፡ ዓቕሚ ኣተኵሮካ ክመሓየሽ፡ ከምኡ’ውን ሻቕሎትን ጭንቀትን ከም ዝሃድእ ክገብር ይኽእል እዩ። ኩሉ ዓይነት ምንቅስቓስ ይቑጸር እዩ፡ ቁሩብ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ድማ ካብ ፍጹም ዘይምንቅስቓስ ይሓይሽ። ንኣሽቱ ለውጥታት እውን እንተዀኑ ብተዛማዲ ብቕልጡፍ ኣወንታዊ ውጽኢት ክህልዎ ይኽእል እዩ።
ቀዳምነት ንድቃስን ዳግመ ሕውየትን ምሃብ
እኹል ድቃስ ምድቃስ ብኣካላውን ኣእምሮኣውን ዘጋጥሙ ፈተናታት ዘለካ ተጻዋርነት የዛይዶ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ መንእሰያት ኣብ ሓደ ለይቲ ኣስታት ሸሞንተ ክሳብ ዓሰርተ ሰዓታት ድቃስ ከድልዮም ከሎ፡ ዓበይቲ ድማ ኣስታት ሽዱሽተ ክሳብ ትሽዓተ ሰዓታት ድቃስ የድልዮም። ኣብ እዋን ቀትሪ ንቑሕን ነቲ ትገብሮ ብጽቡቕ ትገብሮ ከም ዘለኻን እንተ ተሰሚዑካ፡ ምናልባት እኹል ድቃስ ትረክብ ኣለኻ ማለት እዩ። ኣብ እዋን ድቃስ፡ ሓንጎልን ኣካላትን ንኸዕርፉን ጦብላሕታታት ንኽምስርሑን ግዜ ይርኽቡ እዮም።
ንነብስኻን ንያትካን ኣማዕብል
ንያት ብዛዕባ ኣብ ነብስኻ ዕግበትን ከም ሰብ ክቡር ኮይኑ ክስምዓካ ከሎን እዩ። ንያትካ ንምምዕባልን ንምሕያልን ዝውሰድ ቀዳማይ ስጉምቲ፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ እንታይ ከም እትሓስብን ዝስምዓካን ንቕሓትካ ምዕባይ እዩ። ንያትካ ብዝተፈላለየ መንገዲ ከተሓይሎ ትኽእል ኢኻ፡ ንኣብነት ሓደስቲ ነገራት ብምፍታን፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ዘለካ ኣሉታዊ ሓሳባትን ስምዒታትን ብምብዳህ፡ ርእይቶታትካ ንምግላጽ ብምልምማድ ወይ ክብርን ሞሳን ዝስምዓካ ኵነት ብምርካብ። እዚ ብግዲኡ ንኣእምሮኣዊ ጥዕናኻ ከደልድሎ ይኽእል እዩ።
ንነብስኻ ሕያዋይ ኩን
ኣብ ልዕሊ ገዛእ ርእስኻ ሕያዋይ ምዃንን ነብስኻ ምርዳእን ብዛዕባ ነብሰ ርህራሀ ኮይኑ፡ ከም ኣንጻር ናይ ነብሰ ነቐፌታ ኮይኑ እውን ክርኣ ይኽእል እዩ። ኣብ ልዕሊ ነብስኻ ርትዓዊ ዝኾነ ጠለባትን ርትዓዊ ትጽቢታትን ክትገብርን ፈትን። ፍጹም ዝኾነ ሰብ ከምዘየለ ንነብስኻ ምዝኽኻር ጽቡቕ እዩ። ንነብስኻን ድልየታትካን ምስማዕ ተለማመድ፡ ከምቲ ንትፈትዎ ዓርክኻ ገርካ ትሕዞ ንነብስኻ ከሙኡ ገርካ ሓዛ።
ግዜኻን ተወፋይነትካን ሃብ
ንኻልኦት ምሕጋዝን ኣብ ትፈትዎም ጉዳያት ምስታፍን፡ ናይ ምሕዝነት ስሚዒት ክፈጥርን ንዓኻን ንካልኦትን ናይ ቁም ነገር ስምዒት ክህበኩም ይኽእል እዩ። ለውጢ ናይ ምግባር ስምዒት ንጽቡቕ ህላወና ከደልድሎ ይኽእል እዩ። ተሰታፍነትካ ብብዙሕ መንገዲ ከተርኢ ትኽእል ኢኻ፡ ንኣብነት ንመቕርብካ ተገዳስነት፡ ሓልዮትን ኣቓልቦን ብምርኣይ ወይ ሓደ ሰብ ካባኻ ሓገዝ ዘድልዮ እንተ ኾይኑ ብምሕታት። ስራሕ ግበረ ሰናይ ወይ ኣብ ኣዚዩ ዘገድስካ ጉዳያት ምስታፍ እውን ክኸውን ይኽእል እዩ።
ጽቡቕ ጥዕናዊ ስምዒት ዝፈጥረልካ ብስሩዕ ትገብሮ ልምድታት ኣጥሪ
ንመሰረታዊ ድሌታትና ከም መግቢ፡ ድቃስ፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ፡ ዕረፍትን ማሕበራዊ ዝምድናታትን ዝኣመሰሉ ዝኸውን ስሩዕ ልምድታት፡ ንጥዕና ጽቡቕ ኵነት ንምፍጣር ኣድላዪ እዩ። ኣብ መንጎ ስራሕ፡ ቤት ትምህርቲ፡ ነጻ ግዜን ካልእ መዓልታዊ ንጥፈታትን ሚዛን ምርካብ ኣብ መዓልታዊ ትገብሮ ስራሓት ጽቡቕ ስምዒት ክስምዓካ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ። ብስሩዕ ነገራት ምግባር ከም ትሑዛትን ኣሰልቸውትን ኮይኖም ክስምዑኻ ይኽእሉኡ እዮም፡ እዚ ግን መብዛሕትኡ ግዜ ጥዕናኻ ጽቡቕ ምስ ዘይትህሉ ኣሳቓዪ እዩ ዝኸውን። ኣብ ከምዚ ኵነት እቶም ልሙዳት መዓልታዊ ትገብሮም ነገራት ብዝያዳ ኣገደስቲ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።
ጸቕጥን ውጥረትን ኣይተብዝሕ
ሓደ ሓደ ግዜ ጸቕጥን ውጥረትን ምህላው ጐዳኢ ኣይኰነን። ንነዊሕ እዋን ብዙሕ ጸቕጥን ውጥረትን ክስምዓካ ግን ንጥዕናኻ ብኣሉታ ክጸልዎ ይኽእል እዩ። ስለዚ ነቲ ጸቕጥን ውጥረትን ዝፈጥረልካ ክትርድኦ፡ እንተተኻኢሉ ድማ ጠንቁ ፈሊጥካ ገለ ክትገብር ምፍታን፡ ኣብ ልዕሌኻ ርትዓቢ ትጽቢታት ክትገብር፡ ከምኡ’ውን ንድቃስ፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስን ዕረፍትን ግዜ ክትረክብ ኣገዳሲ እዩ። "ሓይሊ ክትመልእ"ን ኣብ ነዊሕ ግዜ ድማ ዓቕሚ ንኽህልወካን ዕድል ይህበካ እዩ። እቲ ጸቕጥን ውጥረትን ኣዝዩ እንተ በዚሑ ወይ ንነዊሕ ግዜ እንተ ጸኒሑ፡ ናይ ሞያዊ ሓገዝ ክትሓትት ከድልየካ ይኽእል እዩ።
ዘላቒ ናይ ስክሪን (ቲቪ፡ ሞባይል፡ ኣይፓድ ወዘተ) ልምድታት ኣጥሪ
ኮምፒተር፡ ተለቪዥን፡ ሞባይልን ኣይፓድን ምጥቃም ኣገዳሲ ክፋል መዓልታዊ ህይወት ብዙሓት ሰባት እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ እቲ ኮምፒተር፡ ተለቪዥን፡ ሞባይልን ኣይፓድን ንምርኣይ ነጥፍኦ ግዜ፡ ዝበዝሓ ክፋል ነጻ ግዜና ይወስድን፡ ምስ ካልእ ኣገደስቲ ነገራት ከም ድቃስ፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስን ማሕበራዊ ዝምድናታትን ይቃጸጽን እዩ። ትሕዝቶ ዲጂታላዊ መድያታት ንዅነታት ጥዕናኻ እውን ይጸልዎ እዩ። ስለዚ ብዛዕባ ኣጠቓቕማኻ ማለት፡ ኣብኡ ተጥፍኦ ግዜን ትሕዝቶኡን ክትሓስበሉ ጽቡቕ ክኸውን ይኽእል እዩ። ንጥዕናካ ኣብ ዘመሓይሹ ነገራት ከተድህብ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።
ንነጻ ግዜኻ ተጠቐመሉ።
ትርጉም ዘለዎ ነጻ ግዜ ምህላው ንኣእምሮኣዊ ጥዕናኻ ከሓይል ይኽእል እዩ። ስለዚ ግዜኻ ኣብ ዘሐጉሰካን ትርጉም ዘለዎን ውጺኢት ዘለዎን ኮይኑ ዝስምዓካ ነገር ከተሕልፎ እንተፈተንካ ጽቡቕ እዩ። እዚ፡ ካብ ባህላዊ ንጥፈታት፡ ምንቅስቓስ ኣካላት፡ ተፈጥሮን ግዳማዊ ንጥፈታትን፡ ክሳብ ምኽሻን መግቢ ወይ ስራሕ ጀርዲን ክኸውን ይኽእል። ሓደ ውጽኢት ዘለዎ ነጻ ግዜ እንታይ ማለት ምዃኑ ዝገልጽ መልሲ ወይ ቅኑዕ ወይ ጌጋ የለን። ካብ ነብስኻን ካብ ዘገድሰካን፡ እንታይ ከም ትፈቱን ዘድልየካን ጀምር።
ህይወት ላዕልን ታሕትን ከም ዘለዋ ክትቅበል ፈትን።
መብዛሕትና ኣብ ህይወትና ቅዛነት፡ ሻቕሎት፡ ቁጥዐ ወይ ውጥረት ዝስምዓና እዋን ኣሎ። መብዛሕትኡ ግዜ ባዕሉ ይገድፍ እዩ። ከምኡ ምዃኑ ክትሓስበሉን ንኸበድቲ ስምዒታት ምቕባልን መብዛሕትኡ ግዜ ሓጋዚ እዩ። እዚ ድማ ቁሩብ ሰላም ክንረክብን ደድሕሪ ፍታሕ ካብ ምጉያይን የድሕነና። ተቐባልነት ማለት ተስፋ ምቑራጽ ማለት ዘይኮነስ፡ ነቲ ኩነታት ኣብዚ ሕጂ እዋን ከም ዘለዎ ምቕባል ማለት እዩ። ንኣብነት ዘሐጉሰካ ነገር ብምግባር ካብቲ ከቢድ ነገር ዕረፍቲ ክትወስድ ምፍታን እውን ኣገዳሲ እዩ። ይኹን’ምበር እቶም ከበድቲ እዋናት እንተ ነዊሖምን ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ ብዙሕ ጸልዮሙኻን፡ ሓገዝ ክትሓትት ከድልየካ ይኽእል እዩ።
Uppdaterat: 2025-03-11