ኣብ ሽወደን ጥዕናና ከመይ ከም ዘሎ ዘርኢ ስታቲስቲክ
መብዛሕትኦም ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ሰባት ኣእምሮኣዊ ጥዕንኦምን ህላወኦምን ጽቡቕ ወይ ኣዝዩ ጽቡቕ ከም ዘሎ ይሕብሩ። ማዕረ ማዕሪኡ ብዙሓት ከም ሻቕሎት፡ ጭንቀት፡ ውጥረትን ጸገማት ድቃስን ዝኣመሰሉ ጸገማት ጥዕና ኣእምሮ ከም ዘለዎም ይሕብሩ። ኣዋልድን ደቂ ኣንስትዮን ካብ ኣወዳትን ደቂ ተባዕትዮን ንላዕሊ ብብዝሒ ጸገም ከምዘጋጥመን ክሕብራ እንከለዋ፡ መንእሰያት ድማ ካብ ኣረጋውያን ንላዕሊ ብብዝሒ ጸገም ከምዘጋጥሞም ይሕብሩ።

ኣብ ሽወደን ካብ ዓሰርተ ሰባት ዳርጋ ትሽዓተ ጽቡቕ ኣእምሮኣዊ ጽቡቕ ጥዕናን ህላወን ኣለና ኢሎም ዝኣምኑ ክኾኑ ከለዉ፡ ዝበዝሓ ክፋል ካብኦም ኣብ ክሊ ዕድመ 65-84 ዓመት ዝርከቡ እዮም። ምህላው ኣእምሮኣዊ ጽቡቕ ጥዕናን ህላወን ማለት፡ ካልእ ገዲፍካኣ መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ መጻኢ ግዜ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ክህልወካ፡ ህድኣት ክስምዓካ፡ ብንጹር ክትሓስብ ምኽኣልን ንዘጋጥሙኻ ጸገማት ብጽቡቕ ክትኣልዮም ምኽኣልን ማለት እዩ።
መብዛሕትኦም ሰባት ጥዕንኦም ጽቡቕ ከም ዘሎ ክሕብሩ እንከለዉ፡ ማዕረ ማዕሪኡ ብዙሓት ሰባት ሓደ ሓደ ግዜ ከም ሻቕሎት፡ ጭንቀት፡ ውጥረትን ጸገማት ድቃስን ዝኣመሰሉ ጸገማት ጥዕና ኣእምሮ ከም ዝስምዖም ይሕብሩ። መብዛሕትኦም ቅልል ዝበለ ጸገማት ኣለዎም።
እቲ ብዛዕባ ንጥዕና ዝጸሎ ባህርያት ዝምልከት ንደቂ 11፡ 13ን 15ን ዕድሚኦም ተምሃሮ ዝግበር ዳህሳስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ዓመት ይግበር እዩ። ካብ መፋርቕ 1980ታት ጀሚሩ፡ ኣብ ሽወደን ኣብ ተምሃሮ ብቐዳምነት ኣብ ደቂ 13ን 15ን ዓመተን ኣዋልድ ብዛዕባ ኣእምሮኣውን ኣካላውን ጸገመት ባዕለን ዝሓበረኦ እናወሰከ ከይዱ ኣሎ። ግን ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ኣብ ካብኡ ዝዓብዩ ክሊ ዕድመ ዘለዉ ጕጅለታት (16–84 ዓመት) ከም ሻቕሎት፡ ጭንቀት፡ ውጥረትን ጸገማት ድቃስን ዝኣመሰሉ ጸገማት ጥዕና ኣእምሮ እውን ወሰኽ ኣርእዩ እዩ። ብንጥፈት እንተርኢናዮ፡ ካብቶም ኣብ ሞያዊ ስራሕ ዝሰርሑ ንላዕሊ ዝበዝሑ ተምሃሮን ስራሕ ኣልቦ ሰባትን ናይ ኣእምሮ ጥዕና ጸገም ከም ዘለዎም ይሕብሩ።
ስግኣት፡ ሻቕሎትን ጭንቀትን
ቁሩብ ልዕሊ 40 ሚእታዊት ካብ ብዝሒ ህዝቢ ናይ ስግኣት፡ ሻቕሎትን ጭንቀትን ጸገም ከም ዘለዎም ይሕብሩ። እዚ ንኣዚዩ መብዛሕትኦም እቲ ጸገም ቅልል ዝበለ እዩ።
ስግኣት፡ ሻቕሎትን ጭንቀትን ካብ ኣብ ዓበይቲ ንላዕሊ ኣብ መንእሰያት ዝያዳ ልሙድ ተርእዮ እዩ። ኣብቶም ዝነኣሱ ጕጅለ ዕድመ፡ ልዕሊ ፍርቂ ቅልል ዝበለ ወይ ከቢድ ጸገም ኣጋጢምዎም ከም ዝነበረ ይሕብሩ። ኣብቶም ዝዓበዩ፡ ካብ ሰለስተ ሓደ እዚ ጸገማት እዚ ኣለዎ።
እዚ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ እውን ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ ልሙድ ተርእዮ እዩ። ሓንቲ ካብ ክልተ ጓል ኣንስተይትን ሓደ ካብ ሰልስተ ወዲ ተባዕታይን ቅልል ዝበለ ወይ ከቢድ ምልክታት ስግኣት፡ ሻቕሎትን ጭንቀትን ኣጋጢምዎም ይፈልጥ እዩ። እተን ኣብ ክሊ ዕድመ ካብ 16 ክሳብ 29 ዓመት ዘለዋ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ እየን ኣዚዩ መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ስግኣት፡ ሻቕሎትን ጭንቀትን ጸገም ከም ዘለወን ዝሕብራ። ካብኣን 50 ሚእታዊት ቅልል ዝበለ ጸገማት ከም ዘለወን ክሕብራ ከለዋ እተን ካልኦት 23 ሚእታዊት ድማ ከቢድ ጸገማት ከም ዘለወን ይሕብራ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት፡ ኣብ ህዝቢ ሽወደን ሰብ ባዕሉ ብዝሓበሮ፡ ናይ ስግኣት፡ ሻቕሎትን ጭንቀትን ጸገም ኣብ ዓመተ 2011 ካብ 31 ሚእታዊት ናብ 43 ሚእታዊት ወሲኹ። ንኣዚዩ መብዛሕትኦም እቲ ጸገም ቅልል ዝበለ ኮይኑ፡ 7 ሚእታዊት ግን ከቢድ ምልክታት ይስምዖም። ኣብ ኩሉ ክሊ ዕድመ ካብ ዘለዉ፡ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ ዝበዝሓ ደቂ ኣንስትዮ ሻቕሎትን ጭንቀትን ከም ዝስምዓን ይሕብራ። እዚ ድማ ኣብ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ (16–29 ዓመት) ብዝያዳ ልሙድ ተርእዮ እዩ። ኣብ 2021 ካብ 23 ሚእታዊት መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ከቢድ ሻቕሎት ወይ ጭንቀት ከም ዝስምዓን ተሓቢሩ። ኣብ 2011 እቲ ተዛማዲ ኣሃዝ 9 ሚእታዊት እዩ ነይሩ። ተመሳሳሊ ወሰኽ ኣብ መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮ እውን ተራእዩ'ኳ እንተነበረ፡ ኣብ 2011 ካብ ዝነበረ 5 ሚእታዊት ናብ 9 ሚእታዊት ኣብ 2021 እዩ ወሲኹ።
ጸገም ድቃስ
ቁሩብ ልዕሊ 40 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ምድቃስ ከም ዝኣብዮም ይሕብሩ። ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ካብ መንእሰያት ንላዕሊ መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ድቃስ ጸገም ክህልዎም ከሎ፡ እቲ ጸገማት ኣብ 40ታትን 50ታትን ዕድመ ዝዛይድ ይመስል። ጸገም ድቃስ እውን ብሓፈሻ ካብ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ ልሙድ እዩ። ኣብቶም ካብ 45-64 ዝዕድሚኦም ሰባት፡ ቁሩብ ልዕሊ ፍርቂ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ቅልል ዝበለ ወይ ከቢድ ናይ ድቃስ ጸገም ከምዘለወን ይሕብራ።
ጽምዋን ተነጽሎን
ካብቶም 16 ዓመትን ልዕሊኡን ዝዕድሚኦም ካብ ህዝቢ፡ ኣስታት ሓደ ካብ ኣርባዕተ ብጽምዋን ተነጽሎን ከም ዝሽገሩ ይሕብሩ። መብዛሕትኦም ቅልል ዝበለ ጸገማት ክስምዖም ከሎ፡ ገሊኦም ግን ከቢድ ጸገማት ኣለዎም። ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ጕጅለ ዕድመታት ይፈላለ እዩ። ጽምዋን ተነጽሎን ኣብ መንእሰያት ዓበይትን ካብ 85 ዓመት ንላዕሊ ዝዕድሚኦም ኣረጋውያንን ዝያዳ ልሙድ እዩ።
ቅዛነት
ቅዛነት ሓደ ካብቶም ልሙዳት ኣብ ዓበይቲ ሰባት ዝረኣዩ ናይ ስነ-ኣእምሮ ነጸርታ እዩ። ብድምር ኣብ ሽወደን ዳርጋ ካብ ሓሙሽተ ሰባት ሓደ ኣብ ገለ እዋን ነጸርታ ቅዛነት ከም ዝተገብረሎም ይሕብሩ። ቅዛነት ካብ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ብዕጽፊ ልሙድ ተርእዮ እዩ።
ወጥሪ
ኣስታት ሓደ ካብ ሽዱሽተ ሰባት ስሚዒት ውጥረት ይስምዖም። ስታቲስቲክ ከም ዘመልክቶ፡ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ስሚዒት ውጥረት ክስምዖም ዝያዳ ልሙድ ኮይኑ፡ ኣብ ተማሃሮ፡ ስራሕ ኣልቦን ንነዊሕ እዋን ብምኽንያት ሕማም ኣብ ዕረፍቲ ዘለዉን እውን ዝያዳ ልሙድ እዩ። ምስ ወጥሪ ዝተኣሳሰር ጉድለት ጥዕና ካብ 1990ታት ጀሚሩ ብደረጃ ዓለም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎን፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ሓደ ካብቶም ዝውቱር ምኽንያታት ናይ ንነዊሕ ግዜ ብምኽንያት ሕማም ዕረፍቲ ምውሳድን ኮይኑ ዘሎን እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብ ኵሉ ብምኽንያት ሕማም ዝውሰድ ዕረፍቲ ምስ ወጥሪ ዝተኣሳሰር ጉድለት ጥዕና እዩ።
Uppdaterat: 2025-03-11