Folkhälsomyndigheten Din psykiska hälsa

ኣእምሮኣዊ ጥዕናኻ ሕማቕ ምስ ዝህሉ

ኩሉ ሰብ ሓደ ሓደ ግዜ ጥዕንኡ ሕማቕ ይስምዖ እዩ። ተፈጥሮኣዊ ክፋል ህይወት እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ስምዒት ባዕሉ ይገድፍ እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ግን ንኽሕሸካ ደገፍ ወይ ሓገዝ ከድልየካ ይኽእል እዩ። ኣብዚ ብዛዕባ ባዕልኻ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእልን ሓገዝ ኣብ ዘድልየካ እዋን ምስ መን ክትራኸብ ከም እትኽእልን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ህጹጽ ምስ ዝኸውን

ኣዝዩ ሕማቕ ይስምዓካን ምንባር ትርጕም የብሉን ኢልካ ትሓስብ ኣለካ ዲኻ? ህይወትካ ከተሕልፍ ሓሳብ ወይ መደብ ኣለካ ድዩ? ከምዚ ዓይነት ሓሳባት ወይ መደብ ምስ ዝህልወካ ከም  ምስጢር ክትሕዞ የብልካን። ምስ ሓደ እትኣምኖ ሰብ ክትዛረብ፡ ናብ ሕክምና ክትከይድ ወይ ምስ ብተሌፎን ደገፍ ዝህብ ተረኛ (stödjour) ክትራኸብ ኣለካ። ናይ ነብሰ ቅትለት ሓሳባት ብተዛማዲ ልሙድ ኮይኑ፡ ክትረኽቦ እትኽእል ጽቡቕ ሓገዝ ኣሎ።

ኣዝዩ ሕማቕ ይስምዓኻ ምስ ዝህሉ ወይ ህይወትካ ከተሕልፍ ትሓስብ እንተ ኣለካ ዄንካ ብቕልጡፍ ናብ 112 ደውል ወይ ምስ ክሊኒክ ህጹጽ ረድኤት ሕክምና ኣእምሮ ርክብ ግበር።

ሓደ ሓደ ግዜ ሕማቕ ክስምዓካ ቅቡል እዩ

ኩሉ ሰብ ሕማቕ መዓልታት ኣለዎ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ሓገዝ ክትደልየሉ ዘለካ ነገር ኣይኮነን። ብቐሊሉ’ሲ ህይወት ሓደ ሓደ ግዜ ቁሩብ ከቢድ እዩ። ከምኡ ኣብ ዝኾነሉ፡ ካብ ቤተ ሰብን ፈተውትን ሓገዝ ምርካብን ብዛዕባ ከመይ ከም ዝስምዓኻ ዘሎ ምዝራብን፡ ጽቡቕ ምድቃስ፡ ጽቡቕ መግቢ ምምጋብን ምንቅስቓስን እኹል ክኸውን ይኽእል እዩ።

ከምኡ ኽንሱ እቲ ሕማቕ መዓልታት ካብቲ ጽቡቕ መዓልታት ዝበዝሐ ምስ ዝኸውን፡ ንነብስኻ ከም ነብስኻ ከተለልያ ምስ ዘይትኽእል ወይ ምስራሕ፡ ምምሃር ወይ ምስ ዓርከ መሓዛ ክትራከብ ምስ ዘይትኽእል፡ ብዛዕብኡ ምስ ሓደ ሰብ ምዝራብ ወይ ምናልባት ሓገዝ ምድላይን ኣገዳሲ እዩ። እቲ ሰብ ንመጀመርታ ሓደ ካብ ስድራ ቤትካ፡ ዓርከ መሓዛ ወይ ካልእ እትኣምኖ ሰብ ክኸውን ይኽእል እዩ። ዝያዳ ደገፍ ምስ ዘድልየካ ምስ ማእከል ክንክን ጥዕናኻ ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ። ብተሌፎን፡ ብተሌፎን ወይ ኮምፕዩተር ብጽሑፍ ዕላል (chatt) ወይ ብኢ-መይል ደገፍ ዝህባ ምስ ጥዕና ኣእምሮ ዝሰርሓ ትካላት እውን ኣለዋ።

ኣዝዩ ሕማቕ እስምዓካ ምስ ዝህሉ

ኣእምሮኣዊ ጥዕናኻ ኣዚዩ ሕማቕ ኣብ ዝስምዓካ እዋን ወይ ብዝኾነ መንገዲ ንነብስኻ ክትጎድእ ኣብ እትሓስበሉ እዋን ምስ ማእከል ክንክን ጥዕናኻ ወይ ምስ ክሊኒክ ስነ ኣእምሮ ተመላለስቲ ተሓከምቲ (psykiatrisk öppenvårdsmottagning) ርክብ ክትገብር ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ። ዕድሜኻ ትሕቲ 25 ዓመት እንተኾይኑ ምስ ክሊኒክ መንእሰያት (ungdomsmottagning) እውን ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ተምሃራይ እንተ ዄንካ ድማ ካብ ነርስ ቤት ትምህርቲ ወይ ኣማኻሪ ቤት ትምህርቲ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ናበይ ከም እትኸይድ ርግጸኛ እንተ ዘይኴንካ ናብ 1177 ክትድውል ትኽእል ኢኻ። ንሳም እቲ ዘድልየካ ደገፍን ክንክን ንኽትረክብ ክሕግዙኻ እዮም። ምስኦም ሽወደንኛ ወይ እንግሊዝኛ ክትዛረብ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ገሊኡ ዞባታት ብኻልእ ቋንቋታት ብተሌፎን ምኽሪ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ ናብ ክንክን ጥዕና ኣብ ትበጽሓሉ እዋን ተርጓሚ ክግበረልካ መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ። ባዕልኻ ምስ ክንክን ጥዕና ክትራኸብ ከቢድ ኮይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ ንሓደ ትኣምኖ ሰብ ክሕግዘካ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

ናይ ሓገዝ መስመር (Hjälplinjen)

ናይ ሓገዝ መስመር (Hjälplinjen)፡ ኣብ ከቢድ ኩነታት ህይወትን ኣብ ቅልውላውን ንዝርከቡን፡ ከምኡ’ውን ዝተፈላለየ ዓይነት ጸገማት ጥዕና ኣእምሮ ንዝስምዖምን ዓበይቲ ሰባት ሞያዊ፡ ስምካ ከይነገርካን ብነጻን ደገፍ ዝህብ ሃገራዊ መስመር ሓገዝ እዩ። እቲ ሓገዝ ብቐዳምነት ብቋንቋ ሽወደን ዝወሃብ ኮይኑ፡ ኣድላዪ ምስ ዝኸውን ግን ብሓገዝ ተርጓሚ ብኻልእ ቋንቋታት ክወሃብ ይኽእል እዩ።

ኣብ hjalplinjen.se ብምእታው ብኢንተርነት ብጽሑፍ ምኽሪ ክትረክብ፡ ከምኡ’ውን ናብ 90390 ብምድዋል ብተለፎን ብዝርርብ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እቲ ኣገልግሎት 24 ሰዓታት፡ ዓመት ምሉእ ክፉት እዩ።

ተወሳኺ ሓበሬታ

ትግሪኛ፦ ኣብ ሽወደን ናብ ሕክምና ምኻድ  (1177.se)

ሽወደንኛ፦ ደገፍን ሓገዝን ምድላይ (1177.se)

ሽወደንኛ፦ ምኽሪ ክንክን ጥዕና 1177 ብቐሊል ሽወደንኛ (1177.se)

ካልኦት ቋንቋታት፦ ምኽሪ ክንክን ጥዕና 1177 ብኻልእ ቋንቋታት (1177.se)

ሽወደንኛ፦ ምኽርን ደገፍን ብኢ-መይል፣ ቻትን ቴሌፎንን (1177.se)

ሽወደንኛ፦ መንእሰይ እንተኾንካን ጥዕናኻ ሕማቕ ምስ ዝህሉን (umo.se)

ካልኦት ቋንቋታት፦ መንእሰይ እንተኾንካን ጥዕናኻ ሕማቕ ምስ ዝህሉን (youmo.se)

ሽወደንኛ፦ ንሓደ ነብሰ ቅትለት ዝሓስብ ሰብ ብኸመይ ክትሕግዞ ትኽእል፧ (1177.se)

Uppdaterat: 2025-03-11