Folkhälsomyndigheten Din psykiska hälsa

ኣብዚ ንገለ ክፋል ትሕዝቶ ብትግርኛ ጸሙቝናዮ ኣለና።

ካልኦት ሰባት ኣእምሮኣዊ ጥዕንኦም ክመሓየሽ ንምሕጋዝ እንታይ ክትገብር ትኽእል? ንሓደ ኣእምሮኣዊ ጥዕንኡ ሕማቕ ዘሎ ሰብ ክትሕግዝ ንኽትክእል ክኢላ ጥዕና ኣእምሮ ክትከውን ኣየድልየካን እዩ።

ሓደ ሓደ ግዜ ጥዕናኻ ንኽሓይሽ ካብ መቕርብካ ሓገዝ ወይ ደገፍ የድልየካ እዩ። ንስድራ ቤትካ፡ ዓርከ መሓዙትካ፡ መሳርሕትኻ ወይ ካልኦት እትፈልጦም ሰባት ብዝተፈላለየ መንገዲ ክትድግፎም ትኽእል ኢኻ። እቲ ኣገዳሲ ነቲ ዘድልዮ ሰብ ከም ዘለኻሉ ምርኣይ፡ ከይፈረድካ ምዝርራብን ምስማዕን፡ ምናልባት እውን ብሓባር ክትገብርዎ እትኽእሉ ዘዘናግዑ ነገራት ከም እትረኽቡ ምርግጋጽ እዩ። እቲ ሰብ ከመይ ከም ዝስምዖ ዘሎ ጥራይ ዘይኮነስ ብዛዕባ ዝኾነ ካልእ ምዝራብ፡ ሓልዮት ንምርኣይ ጽቡቕ መገዲ ኮይኑ፡ ብዛዕባ ዝያዳ ከበድቲ ኣርእስታት ንምዝራብን እውን ዝቐለለ ይገብሮ እዩ። ደገፍ ንዘድልዮ ሰብ ክትድግፍ ንኽትክእል ክኢላ ጥዕና ኣእምሮ ክትከውን ኣየድልየካን እዩ።

ምኽርታት ንሓደ ጥዕንኡ ሕማቕ ዘሎ ሰብ ብኸመይ ከም ትሕግዞ

ሓደ ሰብ ጥዕንኡ ሕማቕ ከም ዘሎ ኵሉ ግዜ ርኡይ ኣይኮነን፡ ስለዚ ምስ እትጠራጠር ነቲ ሰብ ክትሓቶ ጽቡቕ እዩ። ንሓደ ጥዕንኡ ሕማቕ ዘሎ ሰብ ክትድግፎ ከቢድ ኮይኑ ክስምዓካ ይኽእል እዩ። እቲ ኣገዳሲ ነገር ግን፡ ንኣብነት ብምስማዕን ሓገዝ ክትህቦ ቅሩብነትካ ብምርኣይን ከም እትሓልየሉ ምርኣይ እዩ።

ምስ ሓደ ጥዕንኡ ሕማቕ ዘሎ ሰብ ክትዛረብ እንተ ዄንካ፦

  • ደፊርካ እቲ ሰብ ከመይ ከምዘሎ ሕተቶ።  ከይተረበሽኩም ክትዛረቡ እትኽእልሉ ግዜን ቦታን ምረጹ። ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ትዛረብሉ እዋን ካልእ ነገር ንኣብነት ብእግሪ ምንቅስቓስ ወይ ቡን-ሻሂ ምስታይ ነቲ ዝርርብ ዝቐለለ ክገብሮ ይኽእል እዩ።
  • እቲ ሰብ ክዛረብ እንተዘይደልዩ ኣኽብሮ። እቲ ዝሓተትካዮ ሰብ ጥዕንኡ ሕማቕ ምህላዉ ውልቃዊ ኮይኑ ክስምዖ ወይ ጥዕንኡ ከመይ ከም ዘሎ ከሕፍሮ ይኽእል እዩ። እቲ ሰብ ብዛዕባ ጥዕንኡ ክዛረብ ምስ ዘይደሊ ቅር ኣይበልካ፡ እቲ ኣገዳሲ ከም ትግደሰሉ ከተርእዮ እዩ። እቲ ሰብ ሓሳቡ እንተቐይሩ ምሳኻ ኣለኹ በሎ።
  • ብግልጺን ከይፈርድካን ስማዕ። ርእስኻ ብምንቕናቕ፡ ከም ትሰምዕ ዘለኻ “እህም” ብምባልን ዓይኒ ናይቲ ሰብ ብምጥማትን ትሰምዕ ከም ዘለኻ ኣርኢ። እንተዘይተረዲኡካ ካብቲ መልሲ ተበጊስካ መነጸሪ ሕቶታት ሕተት። ብቐጥታ ምኽሪ ምሃብ ወይ ናይ ገዛእ ርእስኻ ተመኩሮታት ምንጋር ካብ ምጅማር ተቖጠብ። ነቲ ሰብ “ከቢድ ኵነታት ተሕልፍ ዘለካ ይመስል” ብምባል እቲ ከቢድ ስምዒታት ከም ዝተረድኣካ ከተረጋግጸሉ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ኩነታት ናብ ዝሓሸ ክቕይሮ ዝኽእል ነገር እንተሃልዩ ሕተት። ከምዚ ብምግባር ነቲ ኩነታት ንፍታሕ ኣማዚንኩም ብሓባር ንኽትሰርሑ ትዕድሞ። ተሪር ምዃንን ጥዕንኡ ሕማቕ ንዘሎ ሰብ “ባህርያቱ ከመሓይሽ” ወይ ነቲ ጸገም ንኽተሓሓዞ ምፍታን፡ ጭንቀት፡ ውርደትን ጸጸትን ክፈጥር  ይኽእል እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ምስኡ ሃሊኻ ክትሰምዖ ጥራይ እኹል እዩ።
  • ተስፋ ሃብ። ዋላ’ኳ ኣብዚ ሕጂ እዋን ከቢድ ምዃኑ ይረዳእካ፡ ክሓይሽ እዩ ኢልካ ከም ትኣምን ንገሮ። ነዚ ብሓባር ክትሓልፍዎ ምዃንኩምን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ኣብ ሽዓ እዋን ሕማቕ ክስምዖምን ዝኾነ ምምሕያሽ ከይረኣዮምን ልሙድ ምዃኑን፡ ድሕሪኡ ግን ከም ዝሓይሽ ንገሮ። ከምኡ’ውን ነቲ ሰብ ሓጋዚ ክኸውን ዝኽእል እንታይ ዓይነት ደገፍ ከም ዘሎ ሓበሬታ ክተምጽእ ከም ትኽእል ሓሳብ ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ብፍላይ እቲ ሰብ ዝነገረካ ሻቕሎት ምስ ዝፈጥረልካ ብዝያዳ ኣገዳሲ እዩ።
  • እቲ ሰብ ጥዕንኡ ኣዝዩ ሕማቕ ምስ ዝህሉ፡ ሞያዊ ሓገዝ ክሓትት ኣተባብዓዮ። ናይቲ ሰብ ናይ ስነ-ልቦና ክኢላ ክትከውን ኣይትኽእልን ኢኻ፡ ብጻይ ክትከውን ግን ትኽእል ኢኻ። ቆጸራ ንምሕዛዝ ክትሕግዞ ወይ ናብ ክንክን ጥዕና ኣብ ዝኸደሉ ከተሰንዮ ሓሳብ ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ። እቲ ሰብ ክሳብ ሓገዝ ዝረክብ ምስቲ ሰብ ከም ዘለኻ፡ ድሕሪኡ እውን ኣብ ህይወቱ ክትጸንሕ ከም እትደሊ ንጹር ኩን። እቲ ሰብ ጥዕንኡ ከመይ ከም ዘሎ ካልኦት ተወሰኽቲ ኣብ ከባቢኡ ዘለዉ ሰባት ክፈልጡ ጽቡቕ ምስ ዝመስለካ፡ ምስ ካልእ ንሱ ዝኣምኖ ሰብ ክትዛረብ ዝቕበሎ እንተ ኾይኑ ክትሓቶ ትኽእል ኢኻ።
  • ገለ ዝግበር ነገር ክትረኽቡ እንተ ዄንኩምን እቲ ሰብ እንታይ ክገብር ከም ዝደልን ሕተቶ። መብዛሕትኡ ግዜ ሰብ ዝፈትዎ ነገር ክገብር ከሎ ጥዕንኡ ይመሓየሽ እዩ። እዚ ምናልባት ቡን/ሻሂ ምስታይ፡ ብእግሪ ምንቅስቓስ፡ ፊልም ምርኣይ፡ ኩዕሶ እግሪ ምጽዋት ወይ ካልእ ክኸውን ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ብሓባር ትፍትንዎም ሓደስቲ ንጥፈታት ሓሳባት ምሃብ እውን ጽቡቕ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ምኽንያቱ ሓደስቲ ዝንባለታት፡ ሓድሽ ዝምድናን ጽምዶን ከስዕብ ይኽእል እዩ። መብዛሕትና ጥዕናና ሕማቕ ኣብ ዝህልወሉ እዋን፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ብስሩዕ ንገብሮ ልምድታትን ጭቡጥ ኵነት ምህላው ጽቡቕ ከም ዝስምዓና ይገብር እዩ። ስለዚ ኢኻ ንኣብነት ብሓባር ምንቅስቓስ ኣካላት ክትገብሩ፡ ክተጽንዑ ወይ ካልእ ነገር ክትገብሩ እንተ ዄይንኩም እውን ክትሓትት ትኽእል። እቲ ትሓቶ ካብ መጠን ንላዕሊ ብዙሕ ከይከውን፡ እቲ ሰብ ኣብዚ ሕጂ እዋን እንታይ ክገብር ከም ዝኽእል ስምዓዮ ኢኻ።
  • ዓቕሊ ግበር። እቲ ሰብ ክዛረብ ወይ ገለ ነገር ክገብር እንተደልዩ ምስኡ ከም ዘለኻ ኣርእዮ። እቲ ሰብ ዋላ ከምቲ ልሙድ ክሕወስ ኣይድለ፡ ድሃይ ግበር ርክብኩም እውን ቀጽሎ።

ሞያዊ ሓገዝ ኣብ ምድላይ ዝግበር ደገፍ

እቲ ሰብ ዝያዳ ደገፍን ሓገዝን ዘድልዮ እንተመሲሉካ፡ ብቑዕ ደገፍን ሓገዝን ንኽረክብ ክትሕግዞ ጽቡቕ እዩ።

ንሓደ ጥዕንኡ ሕማቕ ዘሎ ሰብ ናብ ሕክምና ምኻድ ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ። ንወሃብቲ ክንክን ጥዕና እንታይ ክትነግሮም ከም ዘለካ ምፍላጥ፡ ከምኡ’ውን ሓቂ ምዝራብ ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ። ክንክን ጥዕና ዝሰርሕሉ ኣገባብ መብዛሕትኡ ግዜ መጀመርታ ገምጋማት ድሕሪ ምግባር ነቲ ሰብ ናብ ካልእ ከመሓላልፍዎ ወይ ካብ እቲ ኵነታት ካሳብ ክንደይ ህጹጽ ምዃኑ ተበጊሶም ንመጻኡ ናይ ቆጸራ ዕድል ምሃብ ኮይኑ፡ እዚ ምናልባት ናይቲ ሰብ ብዛዕባ ከመይ ይስምዖ ከም ዘሎ ብቐጥታ ክዛረብ ዘለዎ ድልየት ከየማልእ ይኽእል እዩ። እቲ ሰብ ዝተነጽገን ስቕ ኢሉ ነው ነጀው ዝብል ዘሎን ክመስሎ ይኽእል እዩ። ስለዚ እዩ ንስኻ ከም ሓጋዚ መጠን ነቶም ወሃቢ ክንክን ጥዕና ብዛዕባ ዝቕጽል ስጉምትታት ማለት፡ መን ነቲ ርክብ ከም ዝገብሮ ወይ ንሶም ድዮም ምሳኹም ርክብ ክገብሩ ንስኹም ምስኦም፡ ከምኡ’ውን እቲ ርክብ መዓስን ብኸመይ ከም ዝኸውን ብጭቡጥ ክሕብሩ ክትሓቶም ኣገዳሲ ዝኸውን።

ተወሳኺ ሓበሬታ

ትግሪኛ፦ ኣብ ሽወደን ናብ ሕክምና ምኻድ (1177.se)

ሽወደንኛ፦ ደገፍን ሓገዝን ምድላይ (1177.se)

ሽወደንኛ፦ ምኽሪ ክንክን ጥዕና 1177 ብቐሊል ሽወደንኛ (1177.se)

ካልኦት ቋንቋታት፦ ምኽሪ ክንክን ጥዕና 1177 ብኻልእ ቋንቋታት (1177.se)

ሽወደንኛ፦ መንእሰይ እንተኾንካን ኣእምሮኣዊ ሕማቕ ምስ እትህሉን (umo.se)

ካልኦት ቋንቋታት፦ መንእሰይ እንተኾንካን ኣእምሮኣዊ ሕማቕ ምስ እትህሉን (youmo.se)

ሽወደናንኛ፦ ንሓደ ነብሰ ቅትለት ዝሓስብ ሰብ ብኸመይ ክትሕግዞ ትኽእል? (1177.se)

Uppdaterat: 2025-03-10